ከመይ ጌርና ናይ ጸወታ ኣማራጺታት ነቐምጦም?
ናይ ጸወታ ክፍሊ ምስ ፈጠርካ፡ ብኣውቶማቲክ ኣአንጋዲ ናይቲ ክፍሊ ትኸውን። ኣአንጋዲ ናይ ሓደ ክፍሊ ምስ እትኸውን፡ ኣማራጺታት ናይቲ ክፍሊ ብኸመይ ከም እተቐምጦ ናይ ምውሳን ሓይሊ ኣሎካ።
ኣብቲ ክፍሊ ጸወታ፡ ነቲ ኣማራጺታት ዝብል ቁልፊ ጠውቕ
፣ ከምኡውን ምረጽ
"ኣማራጺታት ጸወታ"። እቶም ኣማራጺታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
- መእተዊ ክፍሊ: "ህዝባዊ" ተባሂሉ ክቕመጥ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ሎቢ ድማ ክዝርዘር እዩ፣ ሰባት ክፍልኻ ተጸንቢሮም ምሳኻ ክጻወቱ። "ናይ ብሕቲ" እንተመሪጽካ ግን ኣብዛ ክፍሊ ከምዘለኻ ዝፈልጥ የለን። ኣብ ናይ ብሕቲ ክፍሊ ክትጽንበር እትኽእለሉ እንኮ መገዲ ምዕዳም ጥራይ እዩ።
- ደረጃ ምስ ጸወታ፦ ውጽኢት ጸወታ ክምዝገብ ድዩ ኣይምዝገብን፡ ከምኡ’ውን ደረጃ ጸወታኻ ክጽሎ ድዩ ኣይጽሎን ውሰድ።
- ሰዓት፦ እቲ ክትጻወተሉ እትኽእል ግዜ ውሱን ወይ ደረት ኣልቦ ምዃኑ ውሰድ። ነዚ ኣማራጺታት ናብ "ሰዓት የለን"፡ "ግዜ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ"፡ ወይ "ግዜ ንሙሉእ ጸወታ" ክትሰርዖ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ተጻዋታይ ግዚኡ ከይተወድአ እንተዘይተጻዊቱ ነቲ ጸወታ ይስዕሮ። ስለዚ ምስ ትፈልጦ ሰብ እንተ ተጻዊትካ ምናልባት ሰዓት ከተጥፍኦ ትደሊ ትኸውን።
- Minimum & maximum ranking to be allowed to sit: ነዚ ኣማራጺ ከይትጥቀሙ ንመክር። ብዙሓት ሰባት ምሳኻ ክጻወቱ ኣይክእሉን እዮም ዝተሓተ ወይ ዝለዓለ ዋጋ እንተ ኣቐሚጥካ።
- Auo-start: ቅልጡፍ ተጻዋታይ ክትረክብ እንተደሊኻ auto-start on ግደፎ። ኣብ መኣዲ መን ከም ዝጻወት ክትቆጻጸሮ እንተደሊኻ ኣጥፍኦ፣ ንኣብነት ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ንእሽቶ ውድድር ትገብር እንተኾንካ።
ነቲ ኣማራጺታት ንምምዝጋብ "OK" ዝብል ቁልፊ ጠውቕ። ኣርእስቲ ናይቲ መስኮት ክቕየር እዩ፣ ኣማራጺታት ክፍልኻ ድማ ኣብ ዝርዝር ጸወታታት ናይቲ ሎቢ ክመሓየሽ እዩ።